ሰሙናዊ መደባት

ሰሙናዊ መደባት

ሰሙናዊ መደባትና

ዝርዝር ስሙናዊ መደባት ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቢተክርትያን ካምፓላ ኡጋንዳ ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

እዚ ናይ ሰኑይ ኣገልግሎት ንኹሉ ተሳታፋይ ብቀረባ ክግልገል መኣዲ ፍልጠት ክረክብን ናይ ሕብረት ደገ እዩ። ኣብዚ መደብ ቃል ኣምላኽ ስሩዕ ንመሃረሉ፡ ጸሎት ንጽልየሉ ግዜ እዩ

ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

  1. ኣብ ንእሽተይ ኣዳራሽ ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ካብ ሰዓት 9፡30ቅ/ቀ ክሳዕ 1፡00ድ/ቀ
  2. ኣብ ናጃናኩምቢ ዝርከብ ቤት ጸሎት ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ካብ ሰዓት 10፡00ቅ/ቀ ክሳዕ 12፡30ድ/ቀ
  3. ኣብ ካንሳንጋ ዝርከብ ቤት ጸሎት ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን  ካብ ሰዓት 6፡00ድ/ቀ ክሳዕ 8፡30ድ/ቀ

ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

እዚ ናይ መንፈሳውን ማሕበራውን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ዝግበር ኮይኑ፡ ካብ ሰዓት 10፡00ቅ/ቀ ክሳዕ 1፡00ድ/ቀ ይካየድ። 

ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

ፍርቂ ሰሙናዊ ናይ ትምህርትን ጸሎትን መዝሙርን ግዜ ፡ ኣብ ቀንዲ ኣዳራሽ ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ዝካየድ ኮይኑ ካብ 6፡00ድ/ቀ ክሳዕ 8፡30ድ/ቀ ይካየድ። ኣብዚ መድብ ስሩዕ ናይ ቃል ኣምላኽን ጸሎትን፡ ከምኡ’ውን ብፍሉይ ብሕማም ንዝሽገሩ ምንጋፍ ንዘድልዮምን ይጽለ።

ኣብ ኩሉ ዞባታት ኣብ ኣባይቲ ቅዱሳን ዝግበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣገልግሎት፡ ንተጠቀምቲ ብዝጥዕም ገሊኡ ናይ ምሸት ንሰራሕተኛታት ክጥቀሙ፡ እቲ ገሊኡ ድማ ኣዴታት ምእንቲ ክጥቀማ ንግሆ ዝግበር እዮ።

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበረሉ ንቁጣታት

ንቁጣ ቁ/1 ሜንጎን ከባቢኣን

  1. ሩባጋ ሮድ
  2. ካብሱ 1
  3. ካብሱ 2
  4. ናኩላቢ 1
  5. ናኩላቢ 2

ንቁጣ ቁ/2 ንጃናኩምቢ ከባቢኣን

  1. ስቴላ
  2. ኬንጆይ
  3. ካቦዋ
  4. ቡሳባላ

ንቁጣ ቁ/3 ካንሳንጋን ከባቢኣን

  1. ካባላጋላ
  2. ካንሳንጋ
  3. ምዮንጋ
  4. ቡንጋ
  5. ምኞኞ

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ቁ/ስልኪ ተወከሱ 0703821605 / 0703449895

ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

ወትሩ ዓርቢ ሓዳሪ ጸሎት ኣብ ንእሽተይ ኣዳራሽ ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ካብ ሰዓት 10፡00ድ/ቀ ክሳዕ 2፡00ቅ/ቀ ዝካየድ ኮይኑ፡ ስለ ሕብረትናን ሃገርናን እንጽልየሉ ግዜ እዩ።

ዝግበረሉ ቦታን ግዜን

ስሩዕ ናይ ሰንበት ኣገልግሎት – ኣብ ቀንዲ ኣድራሽ ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን ካብ ሰዓት 9፡30ቅ/ቀ – 1፡00ድ/ቀ ዝኸይድ ኮይኑ፡ ናይ ጸሎትን፡ መዝሙርን፡ ቃል ኣምላኽን ግዜ እዪ። ኣብዚ መዓልቲ ህጻናት ጥቅሲ ብቃሎም ድሕሪ ምዝራቦምን ብሓባር ምዝማሮምን፡ ኣብ መምሃሪ ክፍሎም ብቃንቃ ኣደ(ትግርኛ) መንፈሳዊ ትምህርቲ ይወሃቦም።

10/10