ንመውስቦ ዘድሊ ቅጥዒ

ንመውስቦ ዘድሊ ቅጥዒ

ኣብ ሻሎም ወሓዚ ህይወት ቤተክርስትያን - ካምፓላ ኡጋንዳ ክምርዓዉ ንዝወሰኑ ተጻመድቲ ዝግበር ቅድመ መርዓ መሕትት

  1. ብዕድመ ብጹሓት ዝኾኑ ተጻይ ጾታ፡ ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ናይ ግሊ መድሓኒ ድሕሪ ምቅባል ብጥምቀት ማይ እተጠመቁ ክኾኑ ይግባእ።
  2. ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ካብቶም ተጻመድቲ ቅጺ ኣባልነት ዝመልኡ ኣባላት ክኾኑ ይግባእ።
  3. ተጻመድቲ ናይ መርዓ መደቦም ቅድሚ 3 ወርሒ ንማሕበር ከፍልጡ ይግባእ ። ምስክርነት ህይወቶም ዝገልጽ መማዕቆቢ ወረቀት ካብታ ዝነበርዋ ማሕበር ከቅርቡ ይግባእ።
  4. Single ምካኖም ዘርእይ ወረቀት ኣብ ጥቃኦም ካብ ዘሎ መንግስታዊ ትካል ከቅርቡ ይግባእ
  5. ዕለተ መርዓ ማሕበር ኣምላኽ ምስ ኩሉ መደባታ ብዝጥዕም ዘሎ ክፉት ግዜ ምስ ኣፍለጠት ተመርዓውቲ ምስ ወለዲ ተመያይጦም ግዜ መርዓ  ክቆጽሩ ይግባእ።
  6. ክልቲኦም ተጻመድቲ ኣብ እተርኽብሉ ቤተክርስትያን ካብ እትቅበሎም ትካላት ጥዕና ናይ H.I.V  እተመረመርሉ ውጽኢት ዘርእይ ናይ ሕክምና  ወረቀት ከቅርቡ ይግባእ ።